ናብ ናይ ሽወደን ባይቶ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ

ኣብ ሽወደን ባይቶ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ኣካል እዩ። ብዛዕባ ናይ ባይቶ ዕማማትን ስራሕን እብ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ

ናይ ባይቶ ዕማማት

ኣብ ሽወደን ባይቶ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ጉባኤ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ህዝቢ ሽወደን ኣየኖት 349 ውልቀሰባት ኣብ ባይቶ ዝውክልዎ ይመርጽ። እቶም ኣብ ባይቶ ቦታ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ይበሃሉ። 

ደሞክራሲ

ደሞክራሲ ዳርጋ ህዝባዊ ምሕደራ ወይ ህዝባዊ ስልጣን ማለት እዩ። ሓደ መሰራትዊ ሓሳብ ብዛዕባ ደሞክራሲ እቲ ዜጋ ወይ ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብር ሰብ ኣታ ህገር ብኸመይ ንኽተመሓደር ሓሳቡ ንኽገልጽ ናይ ምስታፍ ኣኽእሎ ንኽህልዎ እዩ።  ከም ልሙድ ብስሩዓት ምርጫታት ይፍጸም። 

መንግስቲ ብከም’ዚ ዝስዕብ እዩ ዝቐውም

ሓደ መንግስቲ ክሳብ ካብ’ቲ ባይቶ ዝኣክል ደገፍ ዝህልዎ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ሓደ መንግስቲ ብገዛኣ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከድልዮ ከምኡ’ውን ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከድልይ ብዙሓት ዝተፈላልዩ ምኽንያታት ኣለው።

መንግስቲ ብከም’ዚ ዝስዕብ እዩ ዝቐውም

ምስ ሃገራዊ ባይቶ ርክብ ምግባርን ምብጻሕን

ብዛዕባ ስራሕ ሃገራዊ ባይቶ ስራሕ ሕቶታት መልሲ ትደልይ’ዶ ወይ ኣብ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ክፍሊ ምኽሪ ዝካየድ ክትዕ ክትበጽሕ ትደልይ’ዶ? ናይ ሃገራዊ ባይቶ ናይ ርክብ ሓበሬታት ኣብ ታሕቲ ይስዕብ።   

ምስ ሃገራዊ ባይቶ ርክብ ምግባርን ምብጻሕን

ሕብረት ኤውሮጳ እዚ እዩ

27 ሃገራት እየን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባላት፡ ሕኤ። ሽወደን ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 1995 እያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኮይና።  ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብዙሓት ቁጠባውን ፖለቲካኣውን ሕቶታት ይተሓባበራ እየን።