ባይቶ ኣብ ሕብረተሰብ

ባይቶ፡ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ትካላትን ምምሕዳራትን ኣብነት ናይ ዕላውያን ተዋኣሳእቲ ኣብ ሕብረተሰብና እዮም። ኣብ ሽወደን ብዙሓት ዕላውያን መንግስታዊ ትካላትን ዕላውያን ኣካላትን ኣለዉ።

ባይቶ

ባይቶ ኣብ ሽወደን እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ጉባኤ እዩ። ናይ ባይቶ ዕማማት ብዛዕባ ሕግታትን ብዛዕባ ሃገራዊ ባጀትን ምውሳን የጠቓልል። ባይቶ እቲ መንግስቲ ስርሑ ከመይ ከምዝኣልይ እውን ይቆጻጸር እዩ። እቲ ባይቶ ዝውስኖም ውሳኔታት ንምሉ ሽወደን እዩ ዝምልከት።

መንግስቲ 

መረጽቲ ኣብ’ቲ ባይቶ ኣየኖት 349 ኣባላት ንኽህልው ምስ መረጸ እቲ ባይቶ ሓደ ቀዳማይ ሚኒንስተር ይመርጽ። ብድሕሪኡ እቲ ቀዳማይ ሚኒንስተር እቶም ናብ’ቲ መንግስቲ ክጽንበሩ ዘለዎም ምኒስትራት ይመርጽ። እቲ መንግስቲ በቲ ባይቶ ክድገፍ ወይ ዝኾነ ኾይኑ ተጻዋርነት ክግበረሉ ኣለዎ፡ እንተዘይኮዩ ካብ ስልጣን ክወርድ ክግደድ እዩ። 

መንግስቲ ሃገር ይመርሕ፡ ሓደ ካብ’ቲ ዝግብሮ ባይቶ ውሳኔ ንኽወስድ እማመ ብምቕራብ እዩ። 

እቲ መንግስቲ ነቶም ባይቶ ዝወሰኖም ውሳኔታት ንኽፍጽም እውን ሓላፍነት ኣለዎ።   

መንግስታዊ ትካላት

መንግስታዊ ትካላት እቶም ናይ ባይቶን ናይ መንግስትን ውሳኔታ ከምዝፍጸሙ ክገብር ኣለልዎ። እቶም መንግስታዊ ትካላት ኣብ ትሕቲ እቲ መንግስቲ እዮም ዝምዘዙ። 

ምምሕዳራት

ሽወደን 290 ምምሕዳራት ኣለውዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ሓደ ምምሕዳር ሽማግለ ኣሎ። ኣብኡ እቶም ናይ ምምሕዳር ፖለቲከኛታት ነቲ ምምሕዳር ዝምልከት ውሳኔታት ይውስኑ።   

ኣውራጃታት

ኣብ ሽወደን 21 ኣውራጃታት ኣለዋ። እቲ ቀንዲ ዕማመን ክንክን ጥዕናን ሓባራዊ መጓዓዝያን ምእላይ እዩ። ኣብ’ቲ ኣውራጃ ሽማግለ ናይ’ቲ ኣውራጃ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ይውሰኑ። 

ቤት ፍርድታት

ናይ እቲ ቤት ፍርዳታት ዕማም ንገበኛታት ምፍራድ ኣብ መንጎ ዜጋታት ወይ ኣብ መጎ ዜጋታትን መግስታዊ ሰበ-ስልጣናትን ዝፍጠር ክርክር ምፍታሕ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ሰብ ብማዕረ ክረአ ኣለዎ። 

ሕብረት ኤውሮጳ

ሽወደን ኣባል ኤውሮጳዊ ማሕበር እያ።  እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝውሰኑ ሕግታት ንኹሉ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ሰብ ይጸልውዎ እዮም።

መራኸቢ ብዙሃን

እተን መራኸቢ ብዙሃን ንሕብረተሰብ ይጸልዋ እየን። ንኣብነት እተን መራኸቢ ብዙሃን ንባይቶ፡ ንመንግስቲ፡ ንመንግስታውያን ትካልትን ማሕበራትን የጻርያ እየን።