ሕብረት ኤውሮጵ ብኸም’ዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጵ ዝግበር ምትሕብባር ንኽሰርሕ ሸውዓተ ተቕዋማት ኣለዋ። እተን ተዋማት ዝተፈላለየ ተራን ዕማማትን ኣለወን።

ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን ናይ ሓደሽቲ ሕግታት ይህብን እቶም ኣባላት ሃገራት ነቶም ሕግታት ከምዘተግበርቆ ይቋጻጸርን። ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ነፍሲ ወክፍ ኣባል ሃገር ብሓደ ኮሚሽነር ዝቖመ ኮይኑ፡ ንመላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዝውክል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ሓድሽ ኮምሽን ይሽየም። 

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዛዕባ ሓደሽቲ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝውስን ኮይኑ፡ ከም ልሙድ ምስ ባይቶ ኤውሮጳ ብሓባር እዩ ዝውስን። መንግስቲ ሽወደንን ካልኦት ኩሎም መንግስትታት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጵ ኣብ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሓደ ሚሲንተር ይሳተፉ። ኣብ ናይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣየናይ ሚኒስተር ይሳተፍ ኣብ’ቲ ክዝተየሉ ዘለዎ ሕቶ ይምርኮስ። ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ከም ዓውዲ ፖሊሲ ብዓሰርተ ዝተፈላልዩ ቅንብራት፡ ጭፍራታት ይራኸብ።  

ባይቶ ኤውሮጳ ብዛዕባ ሓደስቲ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝውስን ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብሓባር እዩ ዝፍጽሞ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ብዜጋታት ኩለን ሃገርት ሕብረት ኤውሮጳ ብቐጥታ ምርጫ ይምረጹ።  

ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ነዊሕ ግዜ ንዝትግበር ምትሕብባር ሕብረት ኤውሮጳ መምርሒታት የጽድቕ። ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ መራሕቲ ሃገርን መንግስትን ይራኸቡ። ካብ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ ዝሳተፍ።  

ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቕዋማትን ኣባላት ሃገራትን ዝፍጠር ክርክር ይፈርድ። እቲ ቤት ፍርዲ ብሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ እውን ይትርጉሞ እዩ።  

ቤት ፍርዲ ኦዲተራት ኤውሮጳ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘብ ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕልን ጸብጻብ ከምዝግበርን ይቆጻጸር።  

ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ናይ’ተን ኤውሮ ዘተኣታተዋ ሃገራት ገንዘባዊ ፖሊሲ የመሓድር፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ይድግፍ።         

ሃገራዊ ባይቶን ሕብረት ኤውሮጳን

ሓደ ካብ እቲ ናይ ሃገራዊ ባይቶ እገዳስቲ ዕማማት ሕግታት ምውሳን እዩ። ሽወደን ከም ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ መጠን ገለ ካብ’ቲ ሕግታት ናይ ምውጻእ ስልጣን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣረኪባ እንተነበርት፡ ሃገራዊ ባይቶ ግን ሕጂ እውን ነቶም ሕብረት ኤውሮጳ ዝወሰኖም ሕግታት ናይ ምጽላው ኣኽእሎ ኣለዎ።   

እቲ መንግስቲ እዩ ናይ ሽወደን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳን ባይቶ ኤውሮጳን ቃል ዘቕርብ። ግን ሚንስተራት መንግስቲ ምእንቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕቶታት ክመያየጡ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ብስሩዕ እዮም ዝመጽኡ፡ ንኣብነት ኣብ’ተን ኮሚቴታት ብዝግበር ምይይጥ። እቶም ሚኒስተራት ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሓድሽ ሕጊ ክውስኑ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክኸዱ ከልዉ፣ እቲ መንግስቲ መጀመርያ ምስ ኮሚቴት ሕብረት ኤውሮጵ ሃገራዊ ባይቶ ብምምኻር ኣብ’ቲ እማመ ዘልዎ ርእይቶ መልሕቕ ክገብር ኣለዎ።  

እቲ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝቐርብ ናይ ሕጊ እማመ ጽልዋ ናይ ምፍጣር ካልእ ኣኽእሎ እውን ኣለዎ። እቲ ናይ ሽወደን ሃገራዊ ባይቶን ባይቶታት ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን እንድሕር ዝተወሰኑ ሕጊ እማመታት ብሕብረት ኤውሮጳ ወይ ብሃገራዊ ደረጃ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብሕብረት ኤውሮጳ ወይ ብባዕለን ኣባላት ሃገራት ክውሰኑ ኣለዎ ኢለን ይፍትና እየን። እዚ ድማ ፈተና መደገፍታ ይበሃል። እቲ ሓሳብ እንድሕር ሓደ ሕቶ በተን ኣባላት ሃገራት ብጽቡቕ ክግበር ዘይተኻኢሉ ጥራይ እዩ ሕብረት ኤውሮጳ ክውስን ኣለዎ።   

ካብ እማመታት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሕጊ ሽወደን

ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጵ ንሓደ ሓድሽ ሕጊ ውጥን የቕርብ. ዕማም ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ሓደሽቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕግታት ውጥናት ምቕራብ እዩ። እቲ ኮሚሽን ኣብ’ተን ኣባላት ሃገራት ኣየኖት ሓደሽቲ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘድልዩ ድሕሪ ምዝታይን ምምርማርን እዩ ነዚ ዝገብሮ።   

መንግስትን ሃገራዊ ባይቶን መርግጽ ይወስዱ

ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ እማመታቱ ናብ ኩለን ኣባል ሃገራት ይልኽ። ኣብ ሽወደን ናብ መንግስትን ናብ ሃገራዊ ባይቶን እዩ ዝኸይድ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም እማመታት ዘለዎ ርይቶ ንሃገራዊ ባይቶ ይሕብር ከምኡ’ውን ኣብ’ተን ኮሚቴታት ብዝግበር ምይይጥ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ርእይቶ ይቕበል። ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሽወደን ቃል ዘቕርብ መንግስቲ እዩ፡ ግን መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ባይቶ ንሕቶታት ሕብረት ኤውሮጵ ብኸመይ ከምዝሓዞ ሓልፍነት ኣለዎ።   

ሃገራዊ ባይቶ ብዛዕባ ሕብረት ኤውሮጳ እማመ ውሳኔ ብሕብረት ኤውሮጳ ወይ ብሃገራዊ ደረጃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ክውሰን’ዶ ኣለዎ ኢሉ እውን ይግምግም። ሕብረት ኤውሮጳ ካብ’ቶም ዝቐርቡ ናይ ሕጊ እማመታት ኣብ’ቲ ትሕቲ ቅርጺ ዝበሃል መትከል ተመርኲሶም ከም ዝፍተኑን፡ እዚ ማለት ድማ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ዜጋታት ብዝቐረበ ኣድማዒ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክውሰን ኣለዎ ይብል። 

ባይቶ ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ይውስኑ

ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝርከቡ ሚኒስተራትን ነቲ እማመ በበይኖም ኮይኖም ተዛትዮም ናይ ለውጥታት ውጥን ከቕርቡ ይኽእሉ። ብዛዕባ መብዛሕትኦም ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር እዮም ዝውስኑ ስለ’ዚ ድማ ሓደ ሕጊ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ክሰማምዑ ኣለዎም። 

ሽወደን ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ተተግብር

ባይቶ ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ወሰኑ፡ ሽወደንን እቶም ካልኦት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ክኽተልዎ ኣለዎም። ሓደ ሓደ ግዜ መንግስቲ ወይ ሰበ ስልጣን ውሱናት ሕግታት ምስምማዕ እኹል እዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ምእንቲ ምስ ሕግታት ኤውሮጳ ንኽከታተሉ ሃገራውያን ሕግታት ምቕያር የድልይ እዩ። ኣብ ሽወደን ሽዑኡ መንግስቲ ሓደ እማመ ሓሳብ ናብ’ቲ ብዛዕባ ሕጊ ዝውስን ሃገራዊ ባይቶ ምግዳፍ የድልዮ።  

እቲ መንግስቲ፡ ሰበ ስልጣናትን ምምሕዳራትን እቲ ሓድሽ ሕጊ ክውን ከምዝኸውን ይገብሩ። ናይ ሽወደን ቤት ፍርድታት ነቶም ሕግታት ከምዝሰዓቡ የረጋግጽ።

ኮሚሽን ኢውሮጳ ኣተን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ  ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዝከታተላ ይቆጻጸር። እንድሕር እቲ ኮሚሽን ሽወደን ነቶም ሕግታት ኣይትከታተልን እያ ኢሉ ገሚቱ እቲ ኮሚሽን ንሽወድን ኣብ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ክኸሳ ይኽእል እዩ።