ሕብረት ኤውሮጳ ክንድ’ዚ እዩ ዋግኡ

ንጥፈታት ሕብረት ኤውሮጳ በቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳዊ ዓመታዊ ክፍሊት ዝኸፍለኦ እዩ ዝምወል። ገለ ካብኡ እቲ ክፍሊት ኣብ ናይ’ታ ሃገር ቁጠባዊ ኩነታት ዝተመስረተ እዩ። መብዛሕትኡ ካብ’ቲ ገንዘብ ናብ’ተን ኣባላት ሃገራት ከም ደገፍን ረዲአትን ይምለስ እዩ።

ሓደ ሓሳብ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ምትሕብባር ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ፍልልያት ማዕረ ንምግባር እዩ። ሓደ ዓብይ ክፋል ካብ ናይ ኤውሮጳ ባጀት ናብ ምዕባሌ ኣውራጃ፡ ናብ ናይ ሕርሻ ደገፍን ናይ ሃዋህው ስራሕን፡ ግን ከኣ ናብ ተርወሳኺ ንሃዋህው ዝምችእን ዲጂታላዊ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዝቕይር መስመርን እውን ይኸይድ እዩ።  

 
ናይ ሽወደን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክፍሊትን ደገፍ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን

እብ’ቶም ሓሙሽተ ዓመት  2018–2022 ሽወደን 35–52 ቢልዮን ክሮኑር ንሕብረት ኤውሮጳ ክትከፍል ከላ ብመንገዲ ናይ ሃገር ባጀት ድማ 12-16ቢልዮን ክሮኑር ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ደገፍም ኮይኑ ተመሊሱዋ። ብጀካ እቲ ገንዘብ እውን ደገፍ ሕብረት ኤውሮጳ ብቐጥታ ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ናይ ሽወደን ሰበ-ስልጣን፡ ናብ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን እውን ይኸይድ እዩ።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ባጀት ኣብ ሸውዓተ መዳያት ዝተኸፋፈለ እዩ። መብዛሕትኡ ገንዘብ ናብ ከባቢ ምትስሳርን ክብርታትን እዩ ዝኸይድ። ገለ ካብ ትሕዝትኡ ንኣውራጃዊ ምዕባሌን ናብ ተወሳኺ ንሃዋህው ዝምችን ዲጂታላዊ ሕብረት ኤውሮጳ ንምቕያርን ዝግበር ደገፍን የጠቓልል።