መንግስቲ ብከም’ዚ ዝስዕብ እዩ ዝቐውም

ሓደ መንግስቲ ክሳብ ካብ’ቲ ባይቶ ዝኣክል ደገፍ ዝህልዎ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ሓደ መንግስቲ ብገዛኣ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከድልዮ ከምኡ’ውን ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከድልይ ብዙሓት ዝተፈላልዩ ምኽንያታት ኣለው።

ሓደ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ዝወርደሉ እቲ ልሙድ ምኽንያት እቲ ናይ መንግስቲ ሰልፊ ወይ ሓደ ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ልፍንቲ ድሕሪ ምርጫ ክፋላት ናይ ደገፎም ኣብ’ቲ ባይቶ ስለዝጎድሎም ሽዑኡ ኣቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይመርጽ፡ ወይ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ባይቶ ዝካየድ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምርጫ ንኽወርድ ክግደድ ይኽእል እዩ። 

ከምኡ’ውን እንድሕር እቲ ቅድም ዝነበረ መንግስቲ ብምኽንያት እቲ ባይቶ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይምትእምማን ኣቕኒዑ ወይ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኻልኦት ምኽንያታት ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ መሪጹ ሓደ ሓድሽ መንግስቲ ምምስራት ከድልይ ይኽእል እዩ። 

እቲ ዘሎ መንግስቲ ከም ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ይጸንሕ። ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ቀጸልቲ ሕቶታት ይኣልይ ግን ኣብ ተግበራ ዝተመርኮሰ ሓደሽቲ ፖለቲካውያን ተበግሶታት ኣይወስድን እዩ።

ኣፈ ባይቶ መን ቀዳማይ ሚንስተር ከምዝኸውን ይዕምም

ሓደ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ኣፈ ባይቶ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኸቕርብ ዕማሙ እዩ። ሽዑኡ እቲ ኣፈ ባይቶ ምእንቲ ኣብ መንጎ እተን ሰልፍታት ኣየናይ ሕጹይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝለዓለ ደገፍ ከምዘለዎ፣ ስለ’ዚ ዝመጽእ ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ መንግስቲ ክምስርት ዝኽልን እቲ ባይቶ እኹል እምነት ዘለዎን ንምፍላጥ፣ ምስ ኩሎም ናይ ባይቶ ሰልፍታት ወከልቲ ይዘራረብ። እቲ ኣፈ ባይቶ ምስ ምክትል ኣፈ ባይቶ ተመያይጡ ደሕር እማመኡ ናብ ባይቶ የቕርብ።   

እቲ ኣፈ ባይቶ እማመኡ ከቕርብ እንከሎ ኣየኖት ሰልፍታት ኣብ’ቲ መንግስቲ ከምዝኣትዋ ይሕብር። እቲ ሽቶ ኣብ ባይቶ ብእኹል ደገፍ ሓደ መንግስት ከቕውም ኣቲ ዝዓበየ ኣኽእሎ ዘለዎ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምርካብ እዩ። 

ባይቶ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒንስተር የድምጽ

ናይ ቀዳማይ ሚኒንስተር ኣማመ ኣፈ ባይቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣባላት ባይቶ ብድምጺ ምሃብ ይፍተን። እንድሕር ካብ ፍርቂ ንላዕልሊ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ እዚ እንተወሓደ 175፡ ጸረ እቲ እማመ መሪጾም ኣይሓልፍን ማለት እዩ። ብዝተረፈ ቅቡል እዩ።   

ኣፈ ባይቶ ኣርባዕተ ግዜ ዕድል ኣለዎ

እንድሕር ሓደ እማመ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር እኹል ደገፍ ዘይረኺቡ ኣቲ ኣፈ ባይቶ ምስ መራሕቲ ሰልፍታት መሊሱ ክዛረብ ኣለዎ፡ ምስ ምክትላት ኣፈ ባይቶ ዝርርብ፡ ብድሕሪኡ ሓድሽ ዕማመ የቕርብ። ኣፈ ባይቶ ኣርባዕተ ግዜ ዕድል ኣለዎ። እንድሕር ካብ’ቲ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እማሜታት እኹል ደገፍ ዘይረኺቡ ተወሳኺ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኽካየድ ኣለዎ።  

ቀዳማይ ሚኒስተር ነቶም ዝተረፉ ሚኒስትራት ይመርጽ

ኣየኖት ሚኒስተራት ናብ’ቲ መንግስቲ ከምዝኣትው እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ ዝውስን። እቲ ቀዳምይ ሚኒስተር ድሕሪ ምስማይ ኣየኖይ ውልቀሰባት ናብ መንግስቲ ከምዝሓረየ ንባይቶ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክሕብርኣለዎ።

ኣቲ ለውጢ መንግስቲ ደሓር ኣብ ግምቢ ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስትራት ብዕሊ ይፍጸም። እቲ መራሒ ሃገር፡ እዚ ከኣ እቲ ንጉስ ወይ ኣብ ንግስነት ዘላ ንግስቲ ሓደ ኣኼባ መንግስቲ ፡ ኣቦ/ኣደ ወንበር ዝኾኑሉ ሓደ ናይ ናይ መንግስቲ ኣኬባ እዩ።