ተወሳኺ ምርጫ

ሓደ ተወሳኺ ምርጫ ናብ ባይቶ ኣብ መንጎ እቶም ተራ ምርጫታት፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እዋን ምርጫ ክካየድ ዝኽእል ምርጫ እዩ። ተወሳኺ ምርጫ ብዓቢኡ ኣገባብ ከም ተራ ምርጫ እዩ ዝከይድ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ምድላው ግዜ ዝሓጸረ ምዃኑ።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ተራ ምርጫ ተወሳኺ ምርጫ ክውስን ይኽእል እዩ። ሽዑኡ እቲ መንግስቲ እዩ መዕልቲ ምርጫ ዝመርጽ። እቲ ምርጫ ድሕሪ እቲ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣለዎ። 

ዝበዝሐ ክፋል ባይቶ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ካልእ ሚኒስተር እምነት ዘይብሉ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሚኒስተር እምነት ምጉዳል ዝበሃል ምሕጽንታ ከቐንዕ ይኽእል። እንድሕር ኣቲ ባይቶ ሓደ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እምነት ምጉዳል ኣቕኒዑ ኣቲ ቀድማይ ሚኒስተርን መንግስትን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ወይ ሓደ ተወሳኺ ምርጫ ክውስን ኣለዎ።    

እንድሕር ኣፈ ባይቶ ከም ቀዳምይ ሚኒስተር ዘቕረቦ እማመ ዘይጸዲቑ

እቲ ሓደ መንግስቲ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ከም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምቕራብ እማመ ናይ ኣፈ ባይቶ ዕማም እዩ። እንድሕር እቲ ኣፈ ባይቶንቐዳማይ ሚኒስተር ዘቕረቦ እማመ ብባይቶ ንኽጸድቕ ኣርባዕተ ግዜ ተኸታታሊ ዘይተዓዊቱ ሓደ ተወሳኺ ምርጫ ኽካየድ ኣለዎ። እብ’ዚ ኩነታት እዚ እውን እቲ ተውሳኺ ምርጫ እብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክፍጸም ኣለዎ። 

ነቶም ልሙዳት ምርጫታት ኣይትክእን እዩ

ተወሳኺ ምርጫ ነቲ ናይ ተራ ምርጫ ግዜታት ኣይቅይሮን እዩ። እቶም ኣብ እዋን ተወሳኺ ምርጫ ዝምረጹ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ በዚ ኸኣ ሓድሽ ናይ ምርጫ ግዜ ኣይጅምሩን እዮም፡ እንታይ ደኣ ክሳብ ዝመጽ ዘሎ ተራ ምርጫ እዮም ዝጸንሑ። 

ተወሳኺ ምርጫ ኣብ ሽወደን ልሙድ ኣይኮነን። ድሕሪ ምስፋን ደሞክራሲ ኣብ መጀመርያ 1920ታት ጥራይ እዩ ሓደ ተወሳኺ ምርጫ ተኻይዱ። ምርጫ ናብ ካልኣይ ቤት ምኽሪ ብዕለት 1 ሰነ 1958 እዩ ነይሩ።