ናይ ባይቶ ዕማማት

ኣብ ሽወደን ባይቶ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ጉባኤ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ህዝቢ ሽወደን ኣየኖት 349 ውልቀሰባት ኣብ ባይቶ ዝውክልዎ ይመርጽ። እቶም ኣብ ባይቶ ቦታ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ይበሃሉ።

ብዛዕባ ሕግታትን ናይ ሃገር ባጀትን ይውስን 
ሓደ ካብ ናይ ባይቶ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማም ብዛዕባ ሕግታት ምውሳን እዩ። እማመ ሕጊ መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ መንግስቲ እዩ ዝመጽ ግን ካብ ሓደ ወይ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እውን ክመጽ ይኽእል እዩ። ቅድሚ እቲ ባይቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ድምጺ ዝህበሎም ኩሎም እማመታት ሕጊ ኣብ ናይ ባይቶ ሽማግለ እዮም ዝዳለው።

ባይቶ ናይ ሃገር ወጻኢታትን ኣታዊታትን እውን ኣብ ናይ ሃገር ባጀት ይውስን እዩ። እዚ ከኣ ድሕሪ እቲ መንግስቲ እቲ ሃገር ንገንዘብ ብኸመይ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ናይ ባጀት እማመ ውጥን ምስ ኣቕረበ እዩ ዝገብሮ። 

ንመንግስቲ ምቁጽጻር

ባይቶ ዘለዎ ካልእ ዕማም እቲ መንግስቲ ስርሑ ይኣልይ ከምዘሎ ምቁጽጻር እዩ። ኣባላት ሃገራዊ  ባይቶ ነቶም ኣብ መነግስቲ ዘለው ሚኒስተራት ሕቶታት ከቕርቡሎም ይኽእሉ እዮም። ናይ ባይቶ  ቅዋም ኮሚቴ፡ቅኮ፡ እቲ መንግስቲ ሕግታታት ይካታተል ከምዘሎ የጻርይ። እንድሕር እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ካል ሚኒስተር ተኣማንነት ዘይብሉ ኾይኑ፣ እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ሚኒስተር ናይ ተኣማንነት ጉድለት ከድምጽ ይኽእል እዩ። 

ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ሕቶታት ምስራሕ

ባይቶ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕቶታት ይሰርሕ እዩ። ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣየናይ መስመርክ ትስዕብ ከምዘለዋ እቲ መንግስቲ ምስ ባይቶ ክመክር ኣለዎ።  ካብ’ዚ ሓሊፉ ብዙሓት ካብ’ቶም ባይቶ ዝውስኖም እማመታት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ መፈለተኦም።

እቲ ባይቶ ብሓባር ምስ መንግስቲ ኮይኑ እውን ናይ ሽወደን ናይ ወጻእኢ ፖለቲካ ይቐርጽ እዩ።